Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ተፋሰስ ሩባ ኣባይን ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ንመንግስቲ ዘማኽር ጥምረት ተመራመርቲን ሙሁራትን ክጣየሽ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ተፋሰስ ሩባ ኣባይ፣ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ካልኦት ጉዳያትን ንመንግስቲ ዘማኽር ጥምረት ተመራመርቲን ሙሁራትን ክጣየሽ ምዃኑ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ፥ እቶም ሙሁራት ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማ ማይ፣ ፕሮጀክትን ምሕደራ ግድባትን ምርምር ዝገብሩ ማእኸላት ከምከጠናኽሩን ሓደሽቲ ምህዞታትን ከምዘጠናኽሩ ገሊፆም።

ኣብ ፕግራማት ምርምር፣ ትምህርቲን ስልጠናን ማይ ዝሰርሓ ዩኒቨርሲታት ብዝበለፀ ትኹረት ገይሮም ንኽሰርሑን ዓቕሚ ዘለዎም ሙሁራት ንምፍራይን ከምዝሰርሕ ከምኡ እውን ኣድላዪ እንተኾይኑ ሓደሽቲ ፕግራማት ተኸፊቶም ናብ ስራሕ ከምዝእተዉ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ብፅዕንቶ ካልኦት ሃገራት ልምዓታ ካብ ምስላጥን ብርሃን ካብ ምርኣይን ንድሕሪት ኣይትብልን ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ እዚ ድማ ተፈትሮ ሃፍታ ናይ ምጥቃም መሰላ ክሕሎ ከምትገብር ኣገንዚቦም።

ኩሎም ኢትዮጵያወያን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ምንም ኣፈላላይ ከምዘየለ ዝገለፁ ዶክተር ሳሙኤል፥ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ፣ ካብ ሩባታት ኢትዮጵያ ዝፍልፍል ማይ፣ ካብ ጁባን መቐነትን ዜጋታት ኢትዮጵያ ብዝርከብ ገንዘብ ካብ ድኽነት ንምንጋፍ ዝህነፅ ግድብ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሃገር ካብ ድኽነትን ድሕረትን ተናጊፋ ናብ ዕቤት ኣብ ትገብሮ ጉዕዞ፥ እቲ ዝጣየሽ ጥምረት ዘድሊ ሓገዝ ከምዝገብር እውን ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.