Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቱሪዝም እናተርኣዩ ዝርከቡ ምንቅስቓሳት ዘፈር ውልቀ ዘነቓቕሑ ኢዮም – ፍጹም ኣሰፋ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቱሪዝም እናተርኣዩ ዝርከቡ ምንቅስቓሳት ዘፈር ውልቀ ዘነቓቕሑ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን።

ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ንምረቓ ዝበቕዐ ዳና ሎጅ ሓርማዝ ጨበራ ኣመልኪተን ከምዝበለኦ÷ ኢትዮጵያ ዓሚቕ ሃፍቲ ቱሪዝም ዘለዋ ሃገር ነገር ግን ብመጠን ሃፍታ ካብ ዓውዲ ቱሪዝም ዘይተጠቐመት ሃገር ኢያ፡፡

ብዚሓት ሃገራት ክንዲ ናይ ኢትዮጵያ ዝኸውን ሃፍቲ ዘይብለን ካብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝበለፀ ተጠቀምቲ ከምዝኾና እውን ኣልዒለን፡፡

እዚ ትኽክል ከምዘይኮነ ዝኣመነ ትዕዝብቲ ዘለዎ ሓዱሽ ሪፎርም ኢኮኖሚ ተሓሲቡ ብፍላይ ኣብ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ሓሙሽተ ፍልፍላት ዕቤት ከምዝተፈለዩን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ቱሪዝም ሓደ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

“እዚ ዝኾነ ድማ እቲ ዓውዲ ተረባሕነት ህዝቢ ዘረጋግፅ ብምዃኑ ኢዩ” ኢለን፡፡

ንምረቓ ዝበቕዐ ዳና ሎጅ ሓርማዝ ጨበራ ቅድሚ ምልምዑ እቲ መስሕብን ከባቢኢን ፅቡቕ ምስሊ የሃልዎ እምበር መዕረፊ ስለዘይነበሮ በፃሒ ክመፅ ዘይኽእለሉ ከምዝነበረ ኣዘኻኺረን፡፡

ሕዚ ግን መሰረተ ልምዓት ተማሊኡ በዚ መልክዕ ከምዝተሰርሐ ብምሕባር እዚ ድማ ደቂሱ ዝነበረ ዓውዲ ከም ምንቃሕ ዝቑፀር ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ብፌቨን ቢሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.