Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ታይዋን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ህይወት 4 ሰባት እንትሓልፍ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ከምዝቖሰሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ታይዋን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ህይወት 4 ሰባት እንትሓልፍ 711 ሰባት ናይ ምቑሳል ሓደጋ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ኣብ ምብራቓዊ ጠረፍ ባሕሪ ታይዋን÷ ብኣቆፃፅራ ሰዓት እቲ ከባቢ ንጉሆ ክልተ ሰዓት ብሬክተር ስኬል 7 ነጥቢ 5 ዝኾነ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመ ተገሊፁ፡፡

እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ረእሰ ከተማ እታ ሃገር  ታይፒ ከምኡ እውን ኣብ ደቡብ ጃፓን፣ ምብራቕ ቻይናን ፊሊፒንስን ከምዝተሰምዐ ተሓቢሩ።

በቲ ሓደጋ ድማ ብውሑዱ አርባዕተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዝተረጋገፀ እንትኸውን÷ 711 ዝኾኑ ድማ ቆሲሎም፡፡

ኣብ ምብራቕ ከተማ ሃውሊንን ኣብ ከባቢኣ ዝርከቡ በረኽቲ ገጠራማ ከባቢታትን ዝኸፍአ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ብዙሓት መውፅኢ ስኢኖም ከምዝርከቡ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ሓደጋ ስዒቡ ሱናሚ ከጋጥም ይኽእል ኢዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ ብዝብል ብሰብመዚ ታይዋን፣ ጃፓንን ፊሊፒንስን  መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ዝነበረ ይኹን እምበር÷ እቲ መጠንቀቕታ ድሒሩ ከምዝተልዓለ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.