Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትሕቲ ሰንደቅ ዕላማ ተኣኻኺብና ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ክነፅንዕ ኢና – ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ ሰንደቅ ዕላማ ተኣኻኺብና ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ክነፅንዕ ኢና ክብል ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ግልጋሎት ሎሚ ዝኽበር መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣመልኪቱ ንመላእ ኢትዮጵያውያን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ፡፡

ኣብ መልእኽቱ ድማ “ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ምልክት ሉኣላዊነትና፣ ኣርማ ናጥነጽናን መግለፂ ክብሪናን ኢዩ” ክብል ኣብሪሁ፡፡

“ኣብ ትሕቲ ሰንደቅ ዕላማ ተኣኻኺብና ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ክነፅንዕ ኢና” ዝበለ እቲ ግልጋሎት መንግስቲ፥ ሎሚ ሉኣላዊነትና ብዘላቕነት ክረጋገፅ ዝኽእል ሃገርና ካብ ልመና ናፃ እንትነውፅእ ኢዩ እውን ኢሉ፡፡

ሰንደቕ ዕላማ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝተሸጋገረ፣ ናይ ጀጋኑ ኣቦታት ፍሰሳስ ደሞም፤ ፍራስ ኣዕፅሞቶም ከምኡ እውን ውፅኢት መስዋእቶም ዝኾነ ሰንደቕ ዓወት ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

“ምልክት ሉኣላዊነት ሃገርና ዝኾነ ሰንደቕ ዕዓላማና ፀኒዑ ዝቐፀለ ኢትዮጵያዊያን ብሓድነት ብዝኸፈሉዎ መስዋእትነት ኢዩ” ኢሉ ኣብ መልእኽቱ፡፡

መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ እዚ ዓመት እንትነኽብር ህብረብሄራዊ ሓድነትን ሉኣላዊነትን ዋሕስ ህልውና ከምዝኾኑ ኣብ ግምት ምእታው ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.