Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1 ሽሕን 200 ኪሎ ሜትሮ ህንፀት መገዲ ኣስፋልት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ኮንስትራክሽንን መገድን መጉዓዝያን ክልል ትግራይ 1 ሽሕን 220 ኪሎ ሜትሮ መገዲ  ኣስፋልት ይሃንፅ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ መገዲ ኣስፋልት ኣብ 3 ዓመት ዝዛዘም ኢዩ ተባሂሉ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ኣይተ ወልደኣማንኤል ገብረየሱስ ከምዝበልዎ፥ ኣብ 80ታት ዝርገሐ መገዲ ትግራይ ኣስታት 906 ኪሎ ሜትሮ እዩ ነይሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ልዕሊ 6 ሽሕን 483 ኪሎ ሜትሮ ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም።

ካብዚ እቲ 2 ሽሕን 200ን ኪሎ ሜትሮ መገዲ ኣስፋልት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ቢሮ 15 ፕሮጀክት መገዲ ኣስፋልት ይሃንፅ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር፥ እዚ ድማ ንትግራይ ኣብ 3 ዓመት ዝዛዘም ተወሳኺ 1 ሽሕን 220 ኣስፋልት መንገዲ ምዃኑ እዩ።

ኣብ ዝቕፅል መርሃ ግብሪ 5 ዓመት፥ ኩለን ገፀር ጣብያታት ብፀፀር መገዲ ንምርኻብ የስራሕ ምህላዉ አወን ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ኩለን ቁሸታት ብዩራፕ ብዝስራሕ መገዲ ከምዝራኸባ ተገሊፁ።

ብዮናታን ግዛቸው

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.