Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ ምክልኻል ምቁፅፃርን ሕማም ቲቢ ንምጅማር ዝዓለመ ዋዕላ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ ምክልኻል ምቁፅፃርን ሕማም ቲቢ ኣብ ዞባታት ማእኸልን ሰሜን ምዕራብ ክልል ትግራይ ንምጅማር ዝዓለመ ዋዕላ ተሳሊጡ።

እቲ ዋዕላ፥ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ምስ ሪች ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ውሽጢ ዓዲ ብምትሕብባር ዘሳለጥዎ ኢዩ።

ኣብቲ ምብሳር እቲ ፕሮጀክት ዝተረኸቡ ተወካሊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣይተ ሚኪኤለ ሓጎስ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሓገዝቲ ኣካላት ንረኽቦ ገንዘብ ይውሓድ ይብዛሕ ብኣግባቡ ተጠቒምና ተቛሪፁ ናብ ዝነበረ ስሩዕ ስራሕና ንምእታው ከም ዕዱል ክንጥቀመሉ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።

ብሰንኪ ተፈጢሩ ዝነበረ ኲናት ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ቲቢ ተቛሪፁ ምፅናሑ ዝሓበሩ ኣይተ ሚኪኤለ፥ ሪች ኢትዮጵያ እዚ ዕድል ሒዙ ምምፃኡ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ክንወስዶ ኣለና ኢሎም።

ሓደገኛነት ሕማም ቲቢ ብምግንዛብ፥ ናብ ስሩዕ ስራሕቲ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ቲቢ ንምምላስ ሰራሕተኛታት ጥሙር ጥዕና ስድራ ኣብ ምጥንኻር ተዋዲድካ ብትኹረት ምስራሕ ከምዝሓትት ገሊፆም።

ፕሮግራም ማናጀር ሪች ኢትዮጵያ ዶክተር ታምሩ ኣሰፋ፥ ሪች ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ ምክልኻል ሕማም ቲቢ ከም ዝነጥፍ ሓቢሮም።

ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ ፕሮጀክት ምክልኻል ሕማም ቲቢ ኣብ ትግራይ ንፈለማ እዋን ኣብ ዞባታት ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ንምስራሕ ምድላዋቱ ወጊኑ ናብ ተግባር ብምእታው ኣብ ምዕጋት ምትሕልላፍ ሕማም ቲቢ እጃሙ ከምዘበርክት ምዝራቦም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ተግራይ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.