Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ደገፍ ዝህቡ ዓለም ለኸ ትካላት ወሃብቲ ረዲኤት ብምፍላጥ ጥራሕ ይኣትዉ ኣለዉ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድመ ሐዚ ብፍቓድ ዝኣትዉ ዝነበሩ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ደገፍ ዝህቡ ዓለም ለኸ ትካላት ወሃብቲ ረዲኤት ኣብዚ ሐዚ እዋን ይኣትዉ ከምዘለዉ ብምፍላጥ ጥራሕ ይኣትዉ ኣለዉ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝለዓል ዘሎ ገህሰት ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ናይ ምፅራይ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ምስዚ ተተሓሒዙ ግህሰት ሕጊ ፈፂሞም ኢዮም ዝተብሃሉ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

መንግስቲ ኣብቲ ክልል 70 ሚኢታዊ ሰብኣዊ ደገፍ ከምዘቕረበ እውን ሓቢሮም።

ብይስማው ኣደራው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.