Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝኽበር “ወርሒ ጥዕይቲ ኣደ” ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ካብ 01 ጥሪ ክሳብ 30 ጥሪ 2016 ዓ.ም ዝፀንሕ “ፍትሓውን ፅሬት ዘለዎን ክትትል ቅደመ ወሊድ ብእዋኑ ብምጅማር ጥዕና ኣዴታት ነረጋግፅ” ብዝብል መራሕ ሓሳብ መድረኽ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ክልል ብምኽንያት ኲናት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ሙሉእ ወርሒ ጥሪ ዝኽበር “ወርሒ ጥዕይቲ ኣደ”፥ ኣብዚ ዓመት ብፍሉይ ኩነታት ከምዝኽበር ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መድረግቲ ኣካላትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፣ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካቢኔ ሴክሪታሪያት ትልሚ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት  ክንደያ ገብረህይወት(ፕሮፌሰር) ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ከልልን ተረኺቦም።

እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ክሊ ክንክን ኣዶን ስራሕቲ ግንዛበ ምፍጣርን ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.