Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 114 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ዝተገበረ ኮይኑ ኩሎም ቫይረስ ኮሮና ኣይተረኸበሎምን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 114 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ዝተገበረ ኮይኑ ኩሎም ቫይረስ ኮሮና ከምዘይተረኸቦም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ከምዝበሎ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 7,676‬ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ ካብቶም ዝተመርመሩ ሰባት 183 ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም ኢዩ።

ካብዚኦም 157 ሰባት ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ፥ ኣብ ውሽጢ ሕክምና ካብ ዝርከቡ ሓደ ኣብ ክትትል ፅኑዕ ሕክምና ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጡ።

ምስ እዚኦም ሓደ ካብ ትግራይ ወፃኢ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ገይሩ ኣብ ትግራይ ኣብ መሐከሚ ማእኸል ክንክን እናተገበረሉ ዘሎ እዩ። ብሓፈሻ ክሳብ ሕዚ 26 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ዝወፅኡ እንትኾኑ፥ ክሳብ ሕዚ ሞት ሓንቲ መንእሰይ ከምዘጋጠመ እውን እቲ ቢሮ ገሊፁ።

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንመድሓኒት ዴክሳሜታሶን ኣመልኪቱ ዝውፀኦ ሓበሬት ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ዴክሳሜታሶን ናይ ኮርቲኮስቴሮይድ ዝዓይነቶም መድሓኒታት ዓሌት እንትኸውን፥ ንብርክት ዝበሉ ሕማማት(disease)ን ኩነታት (conditions)ን ኣብ ግልጋሎት እናወዓለ ዝርከብ መድሓኒት እዩ።

ቅድሚ ሒደት መዓልቲታት ድማ ኣብ ዓዲእግሊዝ ብዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝተኻየደ መፅናዕቲ እቲ መድሓኒት ብኮቪድ 19 ተታሒዞም ኣብ ፅኑዕ ሕክምና ንዝርከቡ ተሓከሚ እቲ መድሓኒት ርኡይ ዝበሃል ለውጢ ከምፅእ ኽኢሉ እዩ።

ኣብ ፅኑዕ ሕክምና ብመሐገዚ ትንፋስ ( መካኒካል ቬንቲላቶር) ዝርከቡ ሲሶ ዝኾኑ ኣብ ትሕቲ ሓገዝ ኦክስጅን ንዝርከቡ ድማ ብ 20 ሚኢታዊ መጠን ሞት ቀኒሱ ይርከብ።
ነዚ ውፅኢት ድማ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሎጦ ሂብዎ ይርከብ።

እዚ ድማ ከም ፅቡቕ ዝውሰድ እንትትኸውን፥ ኮይኑ ግና እቲ መድሓኒት ናይ ድጋፋዊ ሕክምና እምበር ነቲ ቫይረስ ዘየጥፍእን ኣብ ፅኑዕ ሕክምና ዝርከቡ ተሓከምቲ ጥራሕ ንኹሎ ዘይኮነስ ንሲሶ ክሳኻዕ ዝኽእል ዓይነት መድሓኒት እዩ፡፡

ነቲ ቫይረስ ብምጥፋእ ዘይኮነስ ውሱን ክፋል ኣካለት ጥራሕ ኩነታቶም ዘመሓይሽ ከም ዝኾነ እውን ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ሃገርና ኣረጋጊፁ እዩ፡፡

ኩሎም ፅኑዕ ተሓከምቲ ካብ ዓቕሚ ንዓቐብ ኮይኑ ስቕ ኢልካ ካብ ምርኣይ ግና ሲሶ ምድሓን ወሳኒ ምኻኑ ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ሃገርና እውን ኣብ ቐረባ እዋን መምርሒ ክጥቀመሉ ከም ዝግባእ ወሲኑ ኣሎ፡፡

ስለዚ ነዙይ ተገንዚብና ክሳብ ሕዚ መድሓኒት ቫይረስ ኮሮና ተረኺቡ ዝብል ዝተሰሓሓተን ዘዘናግዕን ሓበሬታን ንጎኒ ገዲፍና ናይ ምክልኻል ስራሕትና ብዝለዓለ ብርኪ ክነተግብር ይግባእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.