Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 133 ወገናት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)ኣብ ተግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ውሽጢ 1 ሺሐን 553 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ዝገበሩ እንትኾኑ 133 ወገናት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ገሊፁ።
 
ብሓፈሻ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 38 ሺሕን 185 ምርመራ ቫይረስኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ፥ ካብቶም ዝተመርመሩ ሰባት 2 ሺሕን 527 ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም ኣሎ።
 
ካብዚኦም 1 ሺሕን 407 ወገናት ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ፥ ኣብ ክትትል ሕክምና ካብዘለው እቶም 28 ኣብ ቀሊል ክትትል ሕክምና፣ 9 ኣብ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና 1 ድማ ኣብ ክትትል ፅኑዕ ሕክምና ይርከቡ።
 
ብካሊእ መዳይ ድማ 41 ወገናት ካብ መቐለ፣ 5 ካብ ሽረ፣ 5 ካብ ኣክሱም፣ 2 ካብ ሑመራ ብድምር 53 ካብ ማእኸል መሐከሚ ቫይረስኮሮና ሎሚ ዕለት ድሒኖም ናብ ገዝኦም ከምዝተፋነዉ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ ኣፍሊጦም።
 
ብድምር 1 ሺሕን 105 ሰባት ካብ ቫይረስኮሮና ዲሒኖም ናብ ገዝኦም ዝተፋነው እንትኾኑ፥ ዛጊድ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ናይ 15 ወገናት ሞት ኣጋጢሙ እዩ።
 
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.