Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ሪፎርም ስፖርት ዘድሃበ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ ሲ)ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ሪፎርም ስፖርት ኣድሂቡ ምስ ኣመራርሓ ወረዳ፣ ፌደሬሽንን ኣብያተ ዕዮ መንግስትን እናተዛተየ ምዃኑ ገሊፁ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲ ሓቂ ካምፓስ ዝሳለጥ ዘሎ እቲ ዘተ፥ ብብርኪ ሃገር ተመሓይሾም ዝተባሃሉን ዝትግበሩ ዘለውን ሪፎርምታት ስፖርት ንምርኣይ ዝዓለመ ምዃኑ ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ገነት ኣረፈ ገሊፀን።

ከም ክልል ተተካእቲ ንምፍራይ ብፍላይ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ተመኩሮ ዓለም ተመርኩስካ እንታይ ክስራሕ ከም ዘለዎን ብፅሒት መዳርግቲ ኣካላት ንምንፃርን ከም ዝኾነ እውን ኣብሪሀን።

ኣብቲ መድረኽ፥ ኣብ ሃገራዊ መፅናዕቲ ሪፎርም ስፖርትን ኣብ ተተካእቲ ምፍራይን ኣድሂቦም ዝተኻየዱ ክልተ መፅናዕትታት ቀሪቦም ዘተ ክካየደሎም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ፍልፍል፦ ጋዜጣ ወይን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.