Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዝርከባ ዩንቨርስታት ነባር ተምሃሮአን ብምቕባል ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር የሳልጣ ከምዘለዋ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ዩንቨርስታት ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ኲናት ኣብ 2016 ዓ.ም ትምህርቶም ኣቋሪፆም ዝነበሩ 24 ሺሕ ተምሃሮአን ብምቕባል ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር የሳልጣ ከምዘለዋ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ኣፈፃሚ ስራሕ መምርሒ ምምሕዳርን መሰረተ ልምዓትን ሰለሞን ኣብርሃ(ዶ/ር)፥ 23 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ድሕቲ ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ኣብቲ ክልል ዘለዋ ዩንቨርስቲታት ናብ ስራሕ ንምእታው ዘኽእሉ ምድላዋት ከምዝተገበሩ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ዩንቨርስታት ነባር ተምሃሮአን ብምቕባል ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር የሳልጣ ኣለዋ ኢሎም።

ንመምህራንን ተምሃሮም ስልጠናታት ስነ ልቦና ንክረኽቡ ዘኽእል ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.