Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዝወሃብ ፈተና 12 ክፍሊ ብፍሉይ ኩነታት ንምሃብ ምድላው ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ፈተና 12 ክፍሊ ንዝወስዱ ተምሃሮ  ብፍሉይ ኩነታት ንምሃብ ምድላው ከምዝተገበረ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ።

ምክትል ሓላፊት እቲ ቢሮ ኢንጅነር አስቴር ይትባረክ፥ ኣብ ትግራይ 12 ሺሕ ተምሃሮ 12 ክፊሊ ከምዘለዉ ተዛሪበን።

ብብርኪ ሃገር 29 ለካቲት 2013 ዓ ም ንዝወሃብ ፈተና ንምውሳድ ኣብቲ ክልል ዘለዉ ምሃሮ ኣብ ዩንቨርስቲታት መቐለ፣ አክሱም፣ ዓዲግራትን ራያን ክሳብ 23 ለካቲት ብኣካል ረኺቦም ሪፖርእ ንክገብሩ ፃዉዒት ኣቕሪበን።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር እኳ እንተዘይነበረ እቶም ተምሃሮ ቅድም ኢሎም እናተዳለዉ ብምምፅኦም ክፍተኑ ከምዝኽእሉ ገሊፀን።

እቶም ተምሃሮ ኣብተን ዩንቨርስቲታት ብምርካብ ን10 መዓልታት ምድላው ንክገብሩ ዕድል ከምዝተውሃበ እውን ኣፍሊጠን።

እቶም ተምሃሮ ብእዋኖም ፈተና ንክወስዱ መምህራንን ወለዲን ምትሕብባር ንክገብሩ መልእኽተን ኣተሓላሊፈን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.