Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ 227 ሓደሽቲ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ 227 ሓደሽቲ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ከምዝኣተዋ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ፍሪያታት ብናይ ውሽጢ ዓዲ ፍሪያታት ብምትካእን ንግዲ ወፃኢ ብምድጋፍን ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

3 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ገምት ዘለዎም 2 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ፍሪያታት ብፍሪያት ውሽጢ ዓዲ ብምትካእ 1 ነጥቢ 9 ቢሊየን ዶላር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

10 ነጥቢ 5 ሜትሪክ ቶንቀረብ እታዎታት ኢንዱስትሪ ብምቕራብ ኢንዱስትሪታት ጨርቃ መርቂ፣ ምግብን ሓፂነ መፂንን፣ ቆርበትን ኣንጋረን ተረባሕቲ ከምዘኾኑ ሓቢሮም።

20 ቢሊየን ብር ግምት ዘለዎም ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምስሓብ ከምዝተኽኣለ ምዝራቦም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.