Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ 800 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ይከፋፈል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ 800 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ይከፋፈል ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ እዋን ሓጋይ 2016 ዓ.ም ንዝካየድ መስኖን ዘበነ ምህርቲ 2016/17ን ዝውዕል ከምዝኾነ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኢያሱ ኣብርሃ (ዶ/ር)፥ መንግስቲ ፌዴራል ብዘመዓራረዮ ልቓሕ 6 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ዝተገዝአ ዘበናዊ ዱኽዒ ንሓረስቶት ይከፋፈል ኣሎ ኢሎም።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ክልተ ዞባታት ብዝካየድ ዘሎ ልምዓት መስኖ 120 ሺሕ ሄክታር መሬት ዝለምዕ ዘሎ እንትኸውን፥ ነዚ ዝውዕል 87 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ከምዝተኸፋፈለ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.