Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ 83 ወገናት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት 702 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 83 ወገናት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ካብዚኣቶም ድማ 48 ወገናት ካብ ማሕበረሰብ፣ 9 ሰባት ምስ ቫይረስኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበሮም፣ 26 ሰባት ድማ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩ ከምዝኾኑ እቲ ቢሮ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ዝዘርገሖ ሓበሬታ የመላኽት።

ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ 67 ሺሕን 146 ምርመራ ቫይረስኮሮና ዝተገበረ እንትኸውን፥ ካብቶም ዝተመርመሩ 5 ሺሕን 672 ሰባት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም።

ካብ ሞንጎ እዚኦም 1 ሺሕን 213 ሰባት ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ፥ ኣብ ክትትል ሕክምና ካብዘለው ሰባት 21 ኣብ ቀሊል ክትትል ሕክምና፣ 20 ሰባት ድማ ኣብ ክትትል ከቢድ ፅኑዕ ሕክምና ይርከቡ።

ክሳብ ሕዚ 4 ሺሕን 427 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ናብ ገዝኦም ከምዝተፋነዉ ተጊፁ።

ክሳብ ሕዚ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና 32 ወገናት ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.