Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ንፍፃመ ንምሕላፍ ሎሚ ምሸት ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ንፍፃመ ንምሕላፍ ኣብ ዝካየድ ናይ መልሲ ፀወታ ፈረንሳዊት ፓሪስ ሴን ዠርሜ (ፒ ኤ ሲ ጂ)ን ጀርመናት ጋንታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።

እቲ ፀወታ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4፡00 ኣብ ሜዳ ፒ ኤስ ጂ ፓርክ ዴስ ፕሪንስ ክካየድ ኢዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ዶርትሙንድ ኣብ ሜዳኣ 1 ን 0 ምስዓራ ይዝከር፡፡

ፅባሕ ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ኣብ ኣሊያንዝ ኣሬና 2 ማዕረ ዝተፈላለያ ጋንታታት ሪያል ማድሪድን ባየርንሙኒክ ኣብ ስታዲየም ማድሪድ ሳንትያጎ ቤርናቢዩ ክራኸባ ኢየን፡፡

ሎሚን ፅባሕን ዝካየዱ ኣብ ዝካየዱ ፀወታታት ዝዕታ ጋንታታት ንፍፃመ ክራኸባ ኢየን፡፡

ፀወታ ፍፃመ እዚ ዓመት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1 ሰነ 2024 ኣብ እንግሊዝ ስታዲየም ዌምብሌይ ክካየድ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.