Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቻይና ስልጠና ሓለዋ ድሕንነት ዝወሰዱ ኦፊሰራት ፖሊስ ኣቀባብላ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣብ ዩንቨርስቲ ድሕንነት ህዝቢ ቻይና ስልጠና ሓለዋ ድሕንነት ቪ ኣይ ፒ ብምውሳድ ዝተመለሱ 72 ኦፊሰራት ፖሊስ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ኮሚሽነር ጀኔራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል፥ እቲ ስልጠና ፖሊስ ፌዴራል ዝሓሸ ዓቕሚ ሓለዋ ቪ ኣይ ፒን ዓጀብ ሞተር ኬድን ዘማዕብል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ካብ ቻይና ዝተወሰደ ተመክሮ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ንኦፊሰራት ፖሊስ ክልላትን ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካን ዓቕሚ ዝኸውን ማእኸል ስልጠና ከምዝኽፈት ሓቢሮም።

መኮንናት ፖሊስ ኣብቲ ስልጠና ዝረኸብዎ ፍልጠትን ክእለትን ብብቕዓት ንክትግብሩ መምርሒ ስራሕ ምሃቦም ኣብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.