Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኔፓል ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 150 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ዓርቢ ኣብ ምዕራብ ኔፓል ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 150 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ኣብተን ካብ ካትማንዱ ንምዕራብ 500 ኪሎ ሜትር ርሒቐን ዝርከባ ዞባታት ጃጃርኮትን ምዕራብ ሩኩምን ንዝካየድ ፃዕርታት ምድሓን ንምሕጋዝ ሓይልታት ፀጥታ ተዋፊሮም ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ኔፓልን ኣብ ጎረቤት ሃገር ህንዲ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ደልሂን ሓዊሱ ሓያል ምንቅጥቃጥ ተሰሚዑ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት እታ ሃገር፥ ልዕሊ 150 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ሓቢሩ።

ሆስፒታል ጃጃርኮት ድማ ብዝቖሰሉ ግዳያት እቲ ሓደጋ ከም ዝተመልአ ተገሊፁ።

ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ተወሳኺ ሰለስተ ምንቅጥቃጥ ከም ዝተሰምዐን ብዙሓት ሰባት ድማ ተወሳኺ ምንቅጥቃጥ መሬት ከጋጥም ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ሻቕሎት ለይቲ ኣብ ቅሉዕ ቦታ ኣሕሊፎም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.