Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ሽፋን ደኒ ናብ 17 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ክብ ከምዝበለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 02 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሽፋን ደኒ ናብ 17 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ክብ ከምዝበለ ኮሚሽን ደንን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ገሊፁ።

ኣብ ኣፈፃፅማ ስራሕቲን ቀፀልቲ ትልሚታትን ደንን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ዘተኮረ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ንለውጢ ከባቢ ኣየርን ዘይብዳህ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ብምሕሳብ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝተፈላለዩ ፖሊሲታት፣ ስትራቴጂታትን ኣዋጃትን ከምዝተተግበሩ ኣብቲ መድረኽ ቀሪቡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ደንን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ፕሮፌሰር ፍቃዱ በየነ፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ሓለዋ ከባቢን ሚሊየናት ዘሳተፈ ሓምለዋይ ኣሰርን ብዝተሰርሑ ስራሕቲ እወንታዊ ውኢት ከምዘምፀአ ገሊፆም።

በዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ሽፋን ደኒ ናብ 17 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ክብ ከምዝበለ ገሊፆም።

ኣብቲ ዓውዲ ብዝተገበሩ ህንፀት ምርምር፣ ቴክኖሎጂን ሓይሊ ሰብን ድማ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ዓውዲ ፀገማት እውን ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ነዚ ንምፍታሕ ኣወዳድባ እቲ ዓውዲ ብትኹረት ክረአ ከምዘለዎ ተዛሪቦም ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.