Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ልዕሊ 5 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት ሕማም መንሽሮ ጫፍ ማህፀን ህይወተን ከምዝሓልፍ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ልዕሊ 5 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት ሕማም መንሽሮ ጫፍ ማህፀን ህይወተን ከምዝሓልፍ ተገሊፁ።

ሕማም መንሽሮ ጫፍ ማህፀን ብዝምልከት፥ ሙሁራት ናይቲ ዓውዲ፣ ሚኒስትር ጥዕና፣ ከምኡ እውን ካልኦት ኣጋር ኣካላት ዝተሳተፉሉ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ በቢዓመቱ ልዕሊ 5 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ በቲ ሕማም ህይወተን ከምዝሓልፍ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ብሕማም መንሽሮ ጫፍ ማህፀን ዝተታሕዛ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ብርኪ ምስ በፅሐ ናብ ሕክምና ዝመፅኣ ምዃነን ድማ ኣስጋኣይነት እቲ ሕማም ከምዘበኣኣሶ ተገሊፁ።

ስእነት ግንዛበ፣ ኣብቲ ዓውዲ ዝረአ ሕፅረት ግልጋሎት ሕክምናን ንስራሕቲ ምርምር እኹል ሓገዝ ብዘይምግባሩን ድማ እቲ ሕማም ብዝድለ ብርኪ ምክልኻል ከይከኣል ከምዝገበሮ ተሓቢሩ።

በቲ ሕማም ህይወተን ካብ ዝሕልፍ ደቂ ኣንስትዮ ብተወሳኺ፥ በቢዓመቱ 7 ሺሕ ሓደሽቲ ህሙማት ከምዝምዝገባ ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ሚኒስትር ጥዕና ወኪሎም ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዶክተር ካሳሁን ተስፋዬ፥ እቲ ሕማም ንምክልኻልን ኣብቲ ዓውዲ ዝግበሩ ምርምራትን ዝውዕል ብር ኣርባዕተ ሚሊዮን ምምዳቡ ተዛሪቦም።

እቲ መድረኽ ዘተ ንዝቕፅሉ ክልተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.