Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝሞቱ ሰባት ቁፅሮም 4 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 1 ሺሕን 47 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ከምዝተገበረሎም ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ምርመራ ካብ ዝተገበረሎም እቶም ሓሙሽተ ብቫይረስ ኮሮና ምልካፎም ከምዝተረጋገፀ ድማ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገፀ ሓሙሽቲኦም ሰባት ኢትዮጵያውያን ኢዮም።

ሎሚ መዓልቲ ካብ መንጎ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተትሓዙ ዝተገለፁ ሓሙሽተ ሰባት፥ ኣብ ሕክምና ዝነበራ ጓል 75 ዓመት ነባሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ በቲ ሕማም ዝተትሓዛ ምዃነን ቅድሚ ምርግጋፁ ኣብ ሕክምና እንተለዋ ህይወተን ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝሞቱ ሰባት ቁፅሮም ኣርባዕተ በፂሑ ኣሎ።

ካብቲ ሕማም ዝሓሾም ድማ ሓደሽቲ 16 ሰባት ሓዊሱ ቁፅሮም 91 ኮይኑ።

ብድምር ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 145 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.