Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 186 ሰባት እንትርከቡ 20 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 18 ሺሕን 60 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 186 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 46 ሺሕን 407 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 330 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ዝርከቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 518 ሰባት ድማ ሐሺዎም ኢዩ።

ብድምር ክሳብ ሎሚ መዓልቲ 16 ሺሕን 829 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 20 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 745 በፂሑ ኣሎ።

  • እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
    https://t.me/tigrignafana
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.