Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ክልተ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ክልተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 1 ሺሕን 80 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ከምዝተገበረሎም ዝሓበራ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ካብዚኦም እቶም ክልተ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ምርግጋፁ ተዛሪበን።

ክልቲኦም ዜጋታት እንግሊዝ እንትኾኑ፥ ካብ’ታ ሃገር ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስመፅኡ ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ክትትል እናተገበረሎም ከምዝፀንሐ እውን ሓቢረን።

ስለዝኾነ ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢትዩጵያ ብድምር 126 ሰባት ብቫይረስኮሮና ከምዝተለኸፉ ተረጋጊፁ ኣሎ።

ካብቲ ሕማም ዝሓሾም ድማ ቁፅሮም 50 ከምዝበፅሐ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.