Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 185 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕን 775 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 185 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 3 ወርሒ ክሳብ 80 ዓመት ምዃኖም ዝገለፃ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 47 ደቂ ተባዕቲዮ 138 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ካብ ዝተረጋገፁ 184 ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ሓደ ድማ ወፃእተኛ ኢዩ።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 160 ካብ ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 2 ካብ ኣምሓራ፣ 1 ሰባት ካብ ትግራይ፣ 1 ካብ ጋምቤላ ከምኡ̕ውን 1 ሰብ ካብ ክልል ሃረሪ፣ 4 ካብ ክልል ዓፋር፣ 7 ሰብ ካብ ክልል ደቡብ፣ 2 ሰብ ድማ ካብ ክልል ሶማሌ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 4 ሺሕን 848 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 115 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 1 ሺሕን 412 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.