Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 268 ሰባት እንትርከቡ 8 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 644 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 268 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሸሞንተ ሰባት ድማ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ካብ ዝተረጋገፁ እቶም 267 ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ እቲ ሓደ ድማ ናይ ወፃኢ ዓዲ ዘግነት ዘለዎ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 1 ክሳብ 99 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 177 ደቂ ተባዕቲዮ 91 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 232 ካብ ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 8 ካብ ኣምሓራ፣ 6 ሰባት ካብ ትግራይ፣  ከምኡ̕ውን 5 ሰብ ካብ ክልል ሃረሪ፣ 2 ሰብ ካብ ክልል ደቡብ፣ 2 ሰባት ካብ ክልል ዓፋር 1 ሰብ ድማ ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 3 ሺሕን 166 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 55 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ብምኽንያት ሕልፈት ህይወት እተን ኣዶ ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ ንመላእ ቤተሰብ ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 44 ሰባት ካፍቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ካፍቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 495 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.