Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም ዝሓወዩ ሰባት ቁፅሮም 50 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም ዝሓወዩ ሰባት ቁፅሮም 50 ምብፅሑ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍልጠን።

እተን ሚኒስትር፥ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ውሽጢ ዝተገበረሎም 943 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሓደ ተወሳኺ ሰብ ከምዝተረኸበ ገሊፀን።

እቲ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈ ዝተረጋገፀ ውልቀሰብ ወዲ 45 ዓመት ትውልደ ኢትዮጵያ እንግሊዛዊ እንትኸውን፥ ካብ እንግሊዝ ዝመፅአን ኣብ ውሽጢ ማእኸል ፈሊኻ መፅንሒ ዝነበረ ከምዝኾነን ኣገንዚበን።

ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 124 ዝበፅሐ እንትኸውን ካብዚኦም ድማ እቶም 50 ከምዝሓወዩ ገሊፀን።

69 ውልቀ ሰባት ድማ ኣብ ፈሊኻ መሐከሚ ክትትል እናተገበረሎም ይርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.