Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ 40 ሺሕ ከምዝዛየደ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 20 ሺሕን 153 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 638 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

16 ሰባት ድማ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 40 ሺሕን 671 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 291 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ዝርከቡ እንትኾኑ፥ 515 ሰባት ድማ ሐሺዎም ኢዩ።

ብድምር ክሳብ ሎሚ መዓልቲ 14 ሺሕን 995 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 16 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 678 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.