Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 555 ሰባት እንትርከቡ 9 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 8 ሺሕን 490 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 555 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ 372 ሺሕን 812 ብዝተገበረ ምርመራ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ቁፅሪ ሰባት 13 ሺሕን 248 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ ትሽዓተ ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 209 በፂሑ ኣሎ።

181 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 5 ሺሕን 966 በፂሑ ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 66 ሰባት ኣብ ማእኸል ፅኑዓት ተሓከምቲ ከምዝርከቡ እውን ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.