Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 982 ሰባት እንትርከቡ 19 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 19 ሺሕን 769 ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ ተወሰኽቲ 982 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 29 ሺሕን 874 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 19 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 528 በፂሑ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 322 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ክሳብ ትማሊ ብድምር 12 ሺሕን 359 ሰባት ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 16 ሺሕን 687 ሰባት ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ኮይኖም፥ ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ 217 ሰባት ብፅኑዕ ዝሓመሙ ኢዮም ክብላ ዶክተር ሊያ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.