Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ 73 ተወሰኽቲ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 2 ሺሕን 844 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 73 ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባተ ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 655 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እቶም በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ሰባት እቶም 67 ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ዝተረፉ ድማ ናይ ሽዱሽተ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝግነት ዘለዎም ኢዮም።

ካብ 6 ክሳብ 74 ብርኪ ዕድመ ዘለዎም 49 ደቂ ተባዕቲዮን 24 ደቂ ኣንስትዮን ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት እቶም 56 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ካብ ትግራይ፣ 2 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 8 ካብ ክልል ሶማሌ ከምኡውን 3 ኣሽከርከርቲ ስግረ ዶብ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ 27 ሰባት ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዘለዎም እንትኾኑ፥ 15 ሰባት በቲ ቫይረስ ምስዝተለኸፈ ሰብ ንኽክእ ዝነበሮም ከምኡ እውነ 31 ሰባት ድማ ንኽክእ ይኹን ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዘይብሎም ኢዮም።

ብኻሊእ መዳይ ሸውዓተ ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሐሾም ብምግላፅ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 159 ሰባት ከምዝሐሾም ሓቢረን።

ሓደ ሰብ ኣብ ክትትል ፅኑዕ ሕክምና ከምዝርከብ እውን ዶክተር ሊያ ኣፍሊጠን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.