Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 131 ሰባት እንትርከቡ 84 ሰባት ድማ ካፍቲ ሕማም ድሒኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕን 238 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 131 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሓደ ሰብ ድማ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 2 ክሳብ 80 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 94 ደቂ ተባዕቲዮ 37 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ 130 ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ ሓደ ሰብ ናይ ወፃኢ ዜግነት ዘለዎም ኢዮምኢዮም።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 98 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 4 ሰባት ካብ ክልል ሶማሌ፣ 1 ካብ ክልል ትግራይ፣ 1 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 3 ሰባት ካብ ክልል ደቡብ፣ 2 ካብ ጋምቤላ፣ 3 ካብ ክልል ዓፋር፣ 3 ሰብ ካብ ድሬዳዋ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 4 ሺሕን 663 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ሓደ ወዲ 80 ኣመት ነባሪ ከተማ ኣድስ ኣበባ ብምኽኒያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 75 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ብምኽንያት ሕልፈት ህይወት እቶም ዜጋ ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ ንመላእ ቤተሰብ ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 84 (79 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ካብ ክልል ትግራይ፣ 2 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ ከምኡ እውን ሓደ ሰብ ካብ ክልል ደቡብ ) ካፍቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ሕማም ተለኺፎም ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 1 ሺሕን 297 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.