Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ  769  ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 271 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ   769  ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 107 ሺሕን 669 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 505 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን 309 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ብድምር ክሳብ ትማሊ 67 ሺሕን 506 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 14 ብሰንኪ እቲ ሻይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ቁፅሪ ሰባት 1 ሺሕን 681 ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.