Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ 28 ቋንቋታት ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ከምዘንፀላለዎም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ 28 ቋንቋታት ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ከምዘንፀላለዎም ተገሊፁ።

ኣብ ፖሊሲ ቋንቋታት ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ተሳሊጡ።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ፥ ብመሰረትሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ኩሎም ቋንቋታት ማዕረ መሰል ተዋሂቡዎም ዝለምዑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ቋንታት ኣደ ንመምሃሪ እናግልገሉ ከምዝርከቡ እውን ተሓቢሩ።

ይኹን እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ንዕቤት ቋንቋታት ዝኸውን ስርዓት ብዘይምስንድኡ፥ ብዝድለ ብርኪ ውፅኢት ክምዝገብ ከምዘይከኣለ ኣብቲ መድረኽ ተላዒሉ ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ቋንቋታት ዋላ እንተሃለዉ ብዙሕ ቋንቋ ዝዛረብ ማሕበረሰብ ክፍጠር ከምዘይከኣለ እውን ተገሊፁ።

ከም ሓበሬታ ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ዩኔስኮ)፥ ኣብዚ ዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ 28 ቋንቋታት ሓደጋ ምትፋእ ኣንፀላሊዩዎም ከምዝርከብ ኢዩ።

እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ቀረባ እዋን ፖሊሲ ቋንቋታት ዝፀደቐ እንትኸውን፥ ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ እውን ኣብ ኣተገባብራ እቲ ፖሊሲ ዘድሃበ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ኣብ ትሕዝቶን ኣተገባብራን ፖሊሲ ቋንቋታት ድማ ካብ ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ኣይተ ኣውላቸው ሹምነካ፣ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሞገስ እዮብን ዶክተር ታዬ ኣበራን መባእታዊ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።

እቲ ፖሊሲ ቋንቋታት ኣብ ውሽጡ ዝርዝር ጉዳያት ዝሓዘ እንትኸውን፥ ቋንቋ ስራሕ፣ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ኢንዱስትሪ መራኸብቲ ሓፋሽን መዘናግዒን፣ ቋንቋን ትምህርቲን፣ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ኣደባባይ፣ ከምኡ እውን ትርጉምን መተርጓማይነትን ዝብሉ ቀንዲ ሓሳባት ይርከቡዎ።

ብኣልኣዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.