Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዘበናዊ ማእኸል መሰልጠኒ ቡን ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ሻሂን ቡንን ኢትዮጵያ ፈላማይ ዘበናዊ ማእኸል መቀነባበሪ ባሬስታን መሰልጠኒ ቡንን ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፥ ሚኒስትር ሕርሻ ዑመር ሑሴን ሓዊሱ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲን ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላት ተረኺቦም።

ነቲ ማእኸል ኣብቲ ቤት ዕዮ እቲ በዓል መዚ መሪቖም ዝኸፈቱ ሚንሰትር ዑመር ሑሴን፥ ምህናፅ እቲ ማእኸል ኣብ ፅሬትን ዘበናዊ ምሕደራን ቡል ዕዙዝ ግዳ ከምዝፃወት ገሊፆም።

ደረጃ ቡን እታ ሃገር ብምድንፋዕ ኣብ ተረባሕነት ሸርፊ ወፃኢ ከምዘዕቢ እውን ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር፥ ዓቕሚ ሰብ ሞያ ቡን ብምዕባይ ንመፅናዕቲን ምርምርን ከምኡ እውን ኣብ ስራሕቲ ምፍላጥ ወሳኒ ግደ ከምዝፃወት ኣብሪሆም።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ዶክተር ኣዱኛ ደበላ ብግደኦም፥ ኣብ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዓውዲ ሕርሻ ንምዕዋት ቡን ቀንዲ ኣካል ብምግባር እናተሰርሐን ምህናፅ እቲ ማእኸል እቲ ትልሚ ንምዕዋት ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎን ገሊፆም።

እቲ ማእኸል ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ (ዩኒዶ) 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ዝተሃነፀ እንትኸውን፥ ካም ስልጠና ክሳብ ዲግሪ ትምህርቲ ከምዝወሃብ ተሓቢሩ።

ተወካሊት ዩኒዶ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዳይሬክተር ኢትዮጵያ ኣውሬላ ፓትሪዛ ካላባሮ፥ ኣብ ቴክኒካዊ ስራሕቲ ዘለዉ ክፍተታት ብምእራም ፅሬት ቡን ንምዕባይ ዝሕግዝ ኢዩ ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.