Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ 86 ሰባት ብሕማም ብጫ ዓሶ ተታሒዞም – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዚያ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ 86 ሰባት ብሕማም ብጫ ዓሶ ከምዝተታሓዙ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን።

እተን ሚኒስተር፥ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጉራጌ ወረዳታት ኣነሞርን ኤነርን ካብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ምልክት እቲ ሕማም ምርኣዪ ፀብፃብ ከምዝቐረበ ገሊፀን።

ብምዃኑ ድማ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ምስ ቢሮ ነጥዕና እቲ ክልልን መምርሒ ጥዕና እቲ ዞባን ብምትሕብባር ኣብ ኣወሃህባ ግብረመልሲ ሓገዝ እናገበረ ከምዝፀንሐ ተዛሪበን።

24 ለካቲት 2012 ዓ.ም እቲ ሕማም ከምዝጀመረ ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ መወዳእታ በቲ ሕማም ዝተትሓዘ ሰብ ሪፖርት ዝተገበረ ድማ 20 መጋቢት 2012 ዓ.ም ከምዝኾነ ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሕዚ 86 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተትሓዙን ኣርባዕተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፀን ገሊፀን።

ነቲ ሕማም ተቓላዕቲ ኢዮም ዝበሃሉ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ 27 ሺሕን 178 ሰባት ክትባት ብጫ ዓሶ ከምዝተኸተቡ እውን እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.