Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢንቨስትመንት ትኹረት ብምግባር ኣብቲ ኮርፖሬሽን ዝጀመርናዮም ስራሕቲ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና – ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢንቨስትመንት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ምስ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ዝጀመርናዮም ስራሕቲ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ክብሉ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ገሊፆም፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ኣክሊሉ ታደሰ ምስ ኢንዱስትሪ ፓርኮች ልማት ኮርፖሬሽን ዋና ስራ አስፈፃሚ አክሊሉ ታደሰ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዢዩኣን ተዛቲዮም።

ኣይተ ኣክሊሉ ታደሰ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ በቲ ኮርፖሬሽኑ ብዛዕባ ዝመሓደሩ ኢንዱስትሪ ፓርክታትን ናፃ ንግዲ ዞባ ድሬዳዋን ዝምልከት እዋናዊ ሓበሬታ ብምቕራብ ቻይናውያን ሰብ ሃፍቲ ኣብቲ ኮርፖሬሽን ዘለዉ ፓርኪታት ኢንቨስት ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕረሪቦም።

ኣምባሳደር ዣኦ ዢዩኣን ብግደኦም÷ እቲ ኮርፖሬሽኑ ኣብ ሓፂር እዋን እታ ሃገር ዝጀመረቶ ጉዕዞ ኢንዱስትሪያላይዜሽን ጋህዲ ንምግባር ኣብ ዘኽእል ቁመና  ከምትርከብ ገሊፆም፡፡

ምስቲ ኮርፖሬሽን ካብ ኢንቨስትመንት ሓሊፉ ኣብ ትምህርቲን ስልጠናን ብሓባር ንምስራሕ። ኤምባሲኦም ሙሉእ ምድላው ከምዘለዎ ምግላፆም ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.