Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ሎስ አንጀለስ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ምትእኽካብ እቶት ብኩናት ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝውዕል 640 ሺህ ዶላር ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ሎስ አንጀለስ ኣብ ሓደ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ምትእኽካብ እቶት ብኩናት ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝውዕል 640 ሺህ ዶላር ተኣኪቡ፡፡

ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ምትእኽካብ እቶት÷ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ፍፁም ኣረጋ፣ ጋዜጠኛ ሄርሜላ አረጋዊ፣ ኣብ ሎስ አንጀለስ ዝነብሩ ዳያስፖራ ኢትዮጵያን ፃዊዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ሓዊሱ 500 ዝኾኑ ሰባት ተረኺቦም፡፡

እቲ ገንዘብ ብሽም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፣ ጋዜጠኛ ሄርሜላ ኣረጋውን ካልኦት ፍሉጣት ሰባትን ከምዝተኣኻከበ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝለኣኽ እውን እቲ ኮሚቴ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኡን ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ንኢትዮጵያ ዝገብርዎ ድጋፍ ኣጠናኺሮም ከምዝቅፅሉ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ሳክሪሜንቶ ኣብ ዝተኻየደ መርሃግብሪ ምትእኽካብ እቶት 250 ሺሕ ዶላር ከምዝተኣከበ ዝዝከር፡፡

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣብ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ዝርከቡ ከተማታት ሎስ አንጀለስን ሳክሪሜንቶን ብዝተኻየደ ምትእኽካብ እቶት ብድምሩ 890 ሺሕ ዶላር ምእካብ ተኻኢሉ ኢዩ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.