Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣቢያተ ህንፀት ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል 4 ሺሕን 11 ተሃነፅቲ ብይቕሬታ ከምዝፍትሑ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣቢያተ ህንፀት ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል 4 ሺሕን 11 ተሃነፅቲ ብይቕሬታ ከምዝፍትሑ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ዓቃቢት ሕጊ ፌዴራል ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ቦርድ ይቕሬታ እቶም ተሃነፅቲ ብይቕሬታ ንኽፍትሑ ንሪፐብሊክ ፕሬዚዳንት ኣቕሪቡ ከመዘፅደቐ ገሊፀን።

እቶም ዝፍትሑ ተሃነፅቲ፥ ብቐሊል ገበን ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝበፅሕ ተበይኑሎም ኣብ ኣቢያተ ህንፀት ዝርከቡ፣ ኣብ ቤት ህንፀት ፀኒሖም እዋን ኣመክሮኦም ክሳብ ሓደ ዓመት ዝተረፎም፣ ኣብ ገበን መቐተልቲ ዘይተሳተፉ ሰባት፣ መጥበውቲ ኣዴታት፣ ነፍሰ ፁራትን ዜጋታት ውሽጢ ዓዲን ከምዝርከቡዎም እውን ኣብሪሀን።

ብይቕሬታ ዝፍትሑ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ነናብ ሃገሮም ከምዝለኣኹ ገሊፀን።

ብተወሳኺ መጥበውቲ ኣዴታት ኮይነን ኣብ ቤት ህንፀት ዝርከባ ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮን ብምትሕብባር ገበን ዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮን ብመንፅር ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ፀገም ተራኢዩ ክሰን ንኽቋረፅ ከምዝተገበረ እተን ዓቃቢት ሕጊ ተዛሪበን።

እቶም ዝፍትሑ ዜጋታት፥ ካብ ኣቢያተ ህንፀት እንትወፅኡ ግቡእ ምርመራ ከምዝግበረሎም፣ በቲ ቫይረስ ዝተጠርጠሩ እንድሕር ሃሊዮም ናብ ፈሊኻ መፅንሒ ከምዝውሰዱ፣ ናብ ሕብረተሰብ እንትፅምበሩ ካብ ገበን ንኽሕለዉ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከብ ፖሊስ ዝርዝሮም ከምዝወሃብን ሕጊ ተመሓላሊፎም እንተተረኺቦም ድማ ይቕሬተኦም ተደምሲሱ ብሕጊ ክጥየቑ ከምዝግበርን ወይዘሮ ኣዳነች ኣፍሊጠን።

ብሃይለየሱስ መኮንን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.