Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣተገባብራ ግልፅነትን ተሓታታይነትን ፋይናንስ ዝዝቲ ጉባኤ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣብ ኣተገባብራ ግልፅነትን ተሓታታይነትን ፋይናንስ ዝዝቲ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኣዳማ ተሳሊጡ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ከለላ ሮግራም መሰረታዊ ግልጋሎታት እናተሳለጡ ዝነበሩ ስራሕቲ ኣድሂቡ ብዕምቆት ዝገምገመ እንትኸውን፥ ኣብ ዛዕባ ተበፃሕነት ሓበሬታ ፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተሰርሑ ስራሕቲ እውን ዳህሳስ ተኻይዱ።

ዳይሬክትር መመሓየሺን ምምሕዳር ቁፅፅርን ወፃኢ መንግስቲ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣይተ ዳዊት ሽመልስ፥ ምትግባር ግልፅነትን ተሓታትነትን ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዘመናዊነት ዝተላበሰ ምሕደራ ፋይናንስ መንግስቲ ንኽህልዋ ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

መስርሕ ግልፅነትን ተሓታትነትን ፋይናንሰ ተግባራዊ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ዝተገበረ ቅድመ ዳህሳስ መፅናዕቲ፥ ተበፃሕነት ሓበሬታ ዜጋታት ሓደ ሚኢታዊ፤ መጠን ተሳትፎ ድማ ትሕቲ ሽዱሽተ ሚኢታዊ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ዜጋታት ኣብ ከይዲ በጀት መንግስቲ ዘለዎም ግንዛበ ትሽዓተ ሚኢታዊ ጥራሕ ምንባሩ እውን ተሓቢሩ።

ኣብ በጀት ዓመት 2009 ዓ.ም ኣብ ዝተገበረ ዳህሳስ መፅናዕቲ ኣፈፃፅማ፥ ተበፃሕነት መረዳእታ ዜጋታት 50 ሚኢታዊ፤ መጠን ተሳትፎ ድማ 73 ሚኢታዊ ከምዝኾነን ኣብ ከይዲ በጀት መንግስቲ ዘለዎም ግንዛበ ድማ 67 ሚኢታዊ ምብፅሑን ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.