Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምልባዕ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ዝወፅአ መምርሒ ኣብ ዝጠሓሱ ገናሕቲ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምልባዕ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ዝወፅአ መምርሒ ኣብ ዝጠሓሱ ለዕሊ 1 ሺሕ ገናሕቲ መካይን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ቢሮ ትራንስፖርት እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ካብ 2 ክሳብ 10 ግንቦት 2013 ዓ.ም ጥራሕ ሕልፊ ብምስፋር፣ ማስክ ዘይምግባር፣ ልዕሊ ታሪፍ ብምኽፋል፣ መስመር ዘይምሽፋን፣ ታቤላ ዘይምስቃልን ኣብ እዋን ስራሕ ደው ምባልን ብድምሩ 1 ሺሕን 200 ገናሕቲ መኪና ስጉምቲ ተወሲዱ።

እቲ መምርሒ ካብ ዝወፅእ ጀሚሩ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት መርሃግብሪ ምንቕናቕ በምድላው ኣብ ዋና ዋና ተርሚናላትን መስመራትን ግንዛበ መዕበዪ ስራሕቲ ከምዝተኻየደ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብታ ከተማ ምልባዕ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ዝወፅአ መምርሒ ኣብ ዝጠሓሱ ገናሕቲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.