Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ በዓል መስቀል ዳመራ ንምኽባር ዘኽእል ስራሕቲ ፅርየት መስቀል ኣደባባይ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ በዓል መስቀል ዳመራ ንምኽባር ዘኽእል ስራሕቲ ፅርየት መስቀል ኣደባባይ ብምትሕብባር ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ስራሕቲ ፅርየት ኣቦታት ሃይማኖት ሓዊሱ ካብ ኩሎም ሃይማኖታት ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ፣ ሰራሕተኛታት ፅርየት፣ ወለንታዊያን መናእሰይ ከምኡውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሳቲፎም።

እቶም ኣብቲ ፅርየት ዝተሳተፉ ኣባላት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት፥ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል በዓል መስቀል ዳመራ ንምኽባር ዘኽእል ምድላው ምግባሩ አመስጊኖም።

እቲ ክብረ በዓል ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብመሰረት ዘቐመጦ ኣንፈት ውሑዳት ተኸተልቲ እምነት ብምስታፍ ዝኽበር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ከንቲባን ጉዳያት ካቢ9ነን እቲ ከተማ ኣይተ ኤፍሬም ግዛው፥ ፕሮጀክት ኣደባባይ መስቀል ንበዓል መስቀል ዳመራ ንክበፅሕ ፃዕሪ ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

በዓል መስቀል ዳመራ ዝኽበረሉ ከባቢ ኬሚካል ፀረ ታህዋሲያን ብምንፃግ መርሃ ግብሪ ፅሬት ተሳሊጡ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.