Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ በዓል ጥምቀት ተኸቢሩ ክሳብ ዝዛዘም ሞተር ብሽክሊታ ምሽክርካር ተኸልኪሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር ካብ ሎሚ መዓልቲ 08 ጥሪ 2015 ዓ.ም ሰዓት 6:00 ጀሚሩ ክሳብ ሓሙስ 11 ጥሪ ጥሪ 2015 ዓ.ም ኣጋምሸት ሰዓት 12:00 ሞተር ብሽክሊታ ምሽክርካር ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ኤጀንሲ ማኔጅመንትትራፊክ ኣፍሊጡ።

እቲ ክልከላ ዝምልከቶም ኣካላት ፀፅታን ቁፅፅር ትራፊክን ካብ ዝጥቀሙ ሰባት ወፃእ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝንቀሳቐሱ በዓል ክልተ እግሪ ሞተር ብሽክሌታታት ዘካትት ከምዝኾነ እውን እቲ ኤጀንሲ ገሊፁ።

ወነንቲ ሞተር ብሽክሊታ ይኹኑ ኣሽከርከርቲ እዚ ክልከላ መሰረት ብምግባር ክሳብ ዝተፀርሐ መዓልቲ ብትዕግስቲ ንኽፅበዩ ሓቲቱ።

እቲ ክልከላ ኣብ ዝመሓላለፉ ኣካላት ጥቡቕ ስጉምቲ ከምዝወስድ እቲ ኤጀንሲ ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.