Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብውዳበ ዝተፈላለዩ ገበናት ዝፍፅሙ ዝነበሩ 51 ተጠርጠርቲ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብውዳበ ዝተፈላለዩ ገበናት ዝፍፅሙ ዝነበሩ 51 ተጠርጠርቲ ተታሒዞም።

እቶም ተጠርጠርቲ ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ድማ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

መሰረተ ልምዓታት ህዝቢ ብምስራቕ “ሿሿ” ብዝብል ዝፍለጥ ገበን ስርቂ ተወዲቦም ይፍፅሙ ከምዝነበሩ እቲ ፖሊስ ገሊፁ።

ብፍላይ ኬብላት ባቡር፣ ኬብላት ኢትዮ ቴሌኮም፣ን ሓይሊ ኤሌክትሪክ መተሓላለፍቲ መስመራትን ከምኡውን ንመንበሪ ሓባር ኣባይቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምትሕልላፍ ዝተዘርግሑ መስመራትን ትኹረት ብምግባር ስርቂ ይፍፅሙ ከምዝነበሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፖሊስ ዓውዲ ምርመራ ከበንን ሓደጋ ትራፊክን ምርመራ ዝተፈላለዩን ዝተወደቡን ገበናት ዳይሬክተር ኮማንደር አለማየሁ አያልቄ ገሊፆም።

ካብቶም ተጠርጠርቲ ካብ መንጎ ዝተመንዝዑ ንብረታት  ብር 880 ሺሕ ዝግመት ቪትዝ ዝዓይነቱ ተሽከርካሪ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ቴሌፎንናት ሞባይልን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኤግዚብታትን ምምላስ ከምዝተኽኣለ ተሓቢሩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.