Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ገበናት ዝተጠርጠሩ 396 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ገበናት ዝተጠርጠሩ 396 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።

እቶም ውልቀ ሰባት ብዘይሕጋዊ መሳርሒ ኲናት፣ ዝውውር ገንዘብ፣ ውራ መሬት፣ ስርቆት መኪናን ካልኦት ገበናትን ተጠርጢሮም ዝተትሓዙ ከምዝኾኑ ምክትል ኮሚሽነር ዘፈር ምክልኻል ገበንን ሓደጋ ትራፊክን ዘላለም መንግስቴ ገሊፆም።

ከም ኣገላልፃ እቶም ምክትል ኮሚሽነር፥ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ብዝተሰርሐ ስራሕ 2 ሺሕ ዝተፈላለዩ ሸጓጉጢን 18 ሺሕን 354 ፍረታት ጠያይቲ ሽጉጥን፣ 113 ክላሽንኮቭ ጠመንጃን 8 ሺሕን 655 ጠያይቲ ክላሽንን፣ 4 ብሬንን 119 ጠያይቲ ብሬንን ተታሒዞም ኢዮም።

ብተወሳኺ ገንዘብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዙሕ መጠን ቁፅሪ ዘለዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘብን ናይ ሓሶት ገንዘባትን ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ኢዩ።

ዜግነት ወፃኢ ዓዲ ዘለዎም ሸሞንት ውልቀ ሰባት ምስ መሐተሚ ማሸን ናይ ሓሶት ገንዘብ ከምዝተትሓዙ እውን ተዛሪቦም።

ብዘይሕጋዊ መገዲ ተወሪሩ ዝነበረ 6 ሺሕ ካሬ ሜትር ቦታ ናብ ባንኪ መሬት ኣታዊ ከምዝተገበረ ድማ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.