Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ወፃኢ ዝህነፅ ሓዱሽ ህንፀት ፕሮጀክት መገዲ ብዕሊ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ መገዲታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክሳብ ጎሮ ዘሎ ሓዱሽ ህንፀት ፕሮጀክት መገዲ ብ1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ወፃኢ ስራሕቲ ህንፀቱ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ኣጀሚሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምጅማር እቲ ፕሮጀክት፥ ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መገዲታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጅነር ሞገስ ጥበቡን ካብ መንግስቲ ፌዴራል ዝመፅኡ ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።

እቲ ፕሮጀክት 4 ነጥቢ 9 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዝህልዎ እንትኸውን፥ መገዲ እግረኛታትን ሳይክልን ሓዊሱ ካብ 30 ክሳብ 60 ሜትሮ ዝበፅሕ ጎናዊ ስፍሓት ከምዘለዎ ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ስራሕቲ ህንፀቱ ኮንስትራክሽን ኣሰር ዘሳልጦ እንትኸውን፥ ስራሕቲ ምምኻርን ምቁፅፃርን ድማ ዩኒኮ ዝተብሃለ ኣማኻሪ ትካል ክከታተሎ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ህንፀት እቲ መገዲ ንምዝዛም ስራሕቲ ምኽባር ወሰን ሓዊሱ ገደብ እዋን 24 ኣዋርሕ ዝተተሓዘሉ ይኹን እምበር፥ ፍርቂ ዝኸውን ክፋል እቲ መገዲ ኣብ ውሽጢ 14 ኣዋርሕ ንምዝዛም ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ።

ምስሊ፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.