Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሓፂሮም ኣብ ልዕሊ ዝተትሓዙ 15 ሺሕ ቦታታትን 68 ሺሕ ብሸራ ዝተሰርሑ ኣባይቲን ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሓፂሮም ኣብ ልዕሊ ዝተትሓዙ 15 ሺሕ ቦታታትን 68 ሺሕ ብሸራ ዝተሰርሑ ኣባይቲን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ በዓል መዚ ምኽባር ደንቢ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ በዓል መዚ ሻለቃ ዘሪሁን ተፈራ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበሎ፥ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝረኣዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምክልኻል ብዝተዋደደ መገዲ ተሰሪሑ ኢዩ።

ኣብ ወራር መሬት፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ፣ ዘይሕጋዊ ምልክታን እንስሳት ዝሕረዳሉ ቦታታትን ከምኡውን ግቡእ ኣብ ልዕሊ ዘይኮኑ ተግባራት ኣድላዪ ቁፅፅር ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኩለን ክፍላተ ከተማታት 15 ሺሕን 749 ብወረራ ዝተትሓዙ ቦታታት ብምምላስ ንመንግስቲ ኣታዊ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢ ዝተፈላለያ ትካላት ተሰሪሖም ዝነበሩ 68 ሺሕ ብሸራ ዝተሰርሑ ኣባይቲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ገሊፆም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.