Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተግባር ራዕዲ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ 284 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዲስ ኣበባቀጠና ራዕዲ ንምግባር ዕላማ ግብረ ራዕዲ ንምዕዋት ተንቀሳቒሶም ብዝብል ዝተጠርጠሩ 284 ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

199 ሽጉጥ ምስ 2 ሺሕን 453 ጣያይቲ፣ 32 ክላሽንኮቭ ካብ 5 ሺሕ ዝበልፅ ጠያይቲ ከምኡ እውን 4 መነፅር ውግእ፣ ኣብ ስራሕ  ቦታን መንበሪ ገዝኦምን ክሕዝ ከምዝኸኣለ እውን ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሓሰን ነጋሽ ንኢቢሲ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ተጠርጠርቲ ልኡኽቶ ሃገር ምፍራስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ፍልፍል እቶት ኮይኑ ንኸገልግል ዝኸዘኑዎ ሓደ ኪሎን ፈረቓን ወርቂ ከምኡ እውን 37 ሺሕን 294 ነጥቢ 8 ግራም ገይፀመይፂ ብሪ ከምዝተትሓዘ እቶም ምክትል ኮሚሽነር ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ተጠርጠርቲ ንተግባር ግብረ ራዕዲ ዝጥቀሙሎም ክዳውንቲ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ሰራዊት ምክልኻል፣ ቤት ህንፀትን ናይ ባዕሉ ናይቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲን ከምዝተትሓዙ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ልዕሊ ኩሎም ተጠርጠርቲ 123 መዝገብ ምርመራ ከምዝተደራጀወ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.