Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ን320 ሺሕ ሰባት ኣገልግሎት ዝህቡ ህንፀት ጣብያታት ጥዕና ይካየዱ ኣሎዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ን320 ሺሕ ሰባት ኣገልግሎት ዝህቡ ህንፀት ጣብያታት ጥዕና ይካየዱ ከምዘለዉ ቢሮ ጥዕና ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ዮሃንስ ጫላ፥ እቲ ሀንፀት ብብርኪ ከተማ ሓደ ክሳብ 40 ሺሕ ሰባት ከተኣናግድ ይኽእል ኢዩ ኢሎም።

ብብርኪ ከተማ 101 ጣብያታት ጥዕና ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ኣብዚ ዓመት ኣብ ክፍለ ከተማታት ኣቃቂ፣ ኮልፌን ቦሌን ኣብ ዝርከቡ ኣርባዕተ ወረዳታት ሓደሽቲ ጣብያታት ጥዕና ንምህናፅ ምድላው ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ሚኒስቴር ጥዕናን ውድብ ጥዕና ዓለምን ብመሰረት ዘቐመጥዎ መዐቀኒ፥ ተበፃሕነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎዋ ጥካላት ጥዕና ኣብ ፅቡቕ በርኪ ከምዝርከብ መግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.