Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ዘበነ ትምህርቲ ልዕሊ 7 ሚሊዮን ደፍተር ከምዝተኸፋፈለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ልዕሊ 7 ሚሊዮን ደፍተር ከምዝተኸፋፈለ ኤጀንሲ ምገባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ምነወር ኑረዲን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ልዕሊ 997 ሺሕ ነዝኾኑ ተምሃሮ 8 ሚሊዮን ደፍተር ንምክፍፋል ትልሚ ተታሒዙ።

ኣብ ውሽጢ ዝሓላፉ 15 መዓልቲታት እውን ልዕሊ 7 ሚሊዮን ደፍተር ንክፍለ ከተማታት ተኸፋፊሉ ንተምሃሮ ከምዝተውሃበ ተዛሪቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ልዕሊ 997 ሺሕ ንዝኾኑ ተምሃሮ ዩኒፎርም እናተኸፋፈለ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ብሓደ ኣቕራቢ ትካል ምኽንያት ዝደንጎየ ሓደ ሚሊየን ደፍተር ካብ ወፃኢ ተዓዲጉ እናኣተወ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ደፍተር ምስበፅሐ ኣብ ሓፂር እዋን ንተምሃሮ ከምዝከፋፈል ኣረጋጊፆም።

ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ መንግስቲ ንዝመሃሩ ካብ ቅድመ ቀዳማይ ብርኪ ክሳብ 12 ክፍሊ ንዘለዉ ተምሃሮ÷ መንግስቲ እታወታት ትምህርቲ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ እናቕረበ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ብመሳፍንት እያዩ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.